ቈልዓ ኣብ መሰረታዊ ቤ/ት(ካብ 1ይ ክሳብ 9ይ ክፍሊ) ዝኸይድ ንዘለኪ ወላዲት ምብጽጻን ናብ ቤት ትምህርቲ በቲ ሓድሽ ኤ-ኣገልግሎት( ኢንተርነታዊ ኣገልግሎት) ተጠቂምኪ ከተመልክቲ ከነዘኻኽረኪ ንደሊ።እዚ ነቶም ኣብ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ዝኸዱ ቈልዑ ኣይምልከቶምን እዩ።እንተ ዘየመልኪትኪ፡ናይ ቤት ትምህርቲ ካርድ ኣይክለኣኸን እዩ ወይ ኣይክወርድን እዩ።
ውሳነ ምብጽጻሕ ናብ ቤ/ት ኣብ ሰዓቱ ኽውሰነልኪ ንምርግጋጽ፡ እዚ ንዝመጽእ ዓመተ-ትምህርቲ 15 mars – 9 april ዝግበር ምምልካት ኣቐዲሙ ክግበር ኣለዎ።
እቲ ኤ-ኣገልግሎት(ኢንተርነታዊ ኣገልግሎት) ኣብ’ቲ ናይ’ቲ ንኡስ-ዞባ መካነ-መርበብ(ዌብሳይት) ካብ ጀሚሩ ዝህሉ ኮይኑ ኣቲኺ ክትጥቀምሉ እንተ ኾይንኪ ኤ-መንነት(ኤ-ሌጊቲማሹን) ከድለየኪ እዩ።እንተ ዘይብልኪ ኣብ ባንክኺ ከይድኪ ኤ-መንነት(ኤ-ሌጊቲማሹን) ኣመልክቲ።
ኣብ’ዚ እዋን’ዚ እቶም ኣብ ኣላዪት-ስድራ(ፋሚልየ ሄም) ተወዚዖም ዝነብሩ ተምሃሮን እቶም ግዝያዊ ቊጽሪ መንነት ዘለዎምን ብቕጥዒ ወረቐት ገይሮም የመልክቱ።እቲ ቕጥዒ ወረቐት ኣብ’ዚ ኣሎ፦
ክፍሊ ኣገልግሎት ዓማዊል ንኡስ-ዞባ(Kommunens kundtjänst)
ምምሕዳር ቤ/ት
ገለ ካብ’ቶም ዕላማታት ናይ’ዞም ሓደስቲ ለውጥታት፡ ዝሓሸ መደባት ኣውቶቡስ ብምውጻእ ኣብ ልዕሊ ከባቢ ዝህሉ ሃሳዪ ጽልዋ ንምቕናስን ወጻኢታት ገንዘብ ንምቚጣብን’ዩ።
ሕቶታት ምስ ዝህልወኪ ነታ ኣካያዲት ጒዳያት ምብጽጻሕ ቤ/ት ብኢሜል ገይርኪ ተወከስያ።
skolskjuts@hedemora.se
መሰጋግሮታት:
Skolskjuts för grundskolan - e-tjänst
hedemora.se/skolskjuts